ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ቤት መጽሓፍቲ (Bibliotek nära dig)
ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ቫይረስ ኮረናን ሕማምኮቪድ-19ን
ቤት መጽሓፍቲ ባንካርይድ (Bankeryd)
ናይ ባንካርይድ ቤት መጽሓፍቲ ኣብ ማእከል ባንካርይድ ይርከብ። ኣብዚ ብቐጻሊ ንህጻናትን ዓበይትን ብስሩዕ ምዱብ ናይ ጽዉጽዎይ ግዜ፣ ምርኢታት፣ ዕዶት ናይ ደረስቲ መጽሓፍ፣ ናይ ምንባብ መጽሓፍ ጉጅለ ንወፊ እዚ ስለ ዝኾነ እታ ናይ መሃዚት ቤት መጽሓፍቲ (”det skapande biblioteket”) ክንብሃል ኢና መሪጽና። ናይ stickcaféer (ቅዲ ኽዳን፣ ምስፋይ ምስ እንዳ ቡን) ንወፊ። ብዘይካ ናይ ስነ ጥበብ ናይ ምምሃዝ ንጥፈታት ንህጻናትን ዓበይትን፣ ንናይ ምምሃዝን ናይ መጽሓፍን ንጥፈታት ዕድል ዝህብ ፍልይ ዝብለ ክፍሊ ምድላዉን ኣሎና።
ናብ ናይ ባንካርይድ መዕረፊ ክፍሊ (መቐበሊ ኣጋይሽ፣ ሳሎን) ብድሓን ምጹና - ናይ ምምሃዝ ቤት መጽሓፍቲ!
ቤት መጽሓፍቲ ግሬና (Gränna)
ቤት መጽሓፍቲ ግሬና ኣብ ግሬና ኩልቱርጎርድ (Kulturgård.) ይርከብ
ኣብዚ ቤት መጽሓፍቲ ካብ 29000 መጻሕፍትን ሚድያን 50 ዝተፈላለዩ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ክትመርጽ ትኽእል።
ካብተን ኣብቲ ቤት መጽሓፍቲ ዘለዋ መርበብ ኢንተርነት ዘለወን 5 ኮምፕዩተራት ዉን ክትሕዝእ ክእለታት ኣሎ። እቲ ብሩሀን ህዱእን ዝኾነ ናይ ቤት መጽሓፍቲ ከባቢ ናይ መዘናግዕን መጽናዕትን ዕድላት የወፊ። እቲ ቤት መጽሓፍቲ ንናይ ዉልቅን ናይ ጉጅለን ዝኸዉን ብዙሕ ናይ መጽናዕቲ ቦታ ኣለዎ።
ብዙሕ ሓድሽ ናይ ክፉት ስዓታት ዘለዎ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ናይ ግሬና ቤት መጽሓፍቲ ብድሓን ምጹና። ኣብዚ ንዝተፈላለየ ዕድመታት ዘለዎም ዝሰማማዕ መጽሓፍትን ጽሑፋትን ከምኡ ዉን ሓንሳብ ኮፍ ኢልካ ቡን ድዩ ሻሂ ትሰትየሉ ቦታ ኣሎና።
ቤት መጽሓፍቲ ሁይስክቫርና (Huskvarna)
ቤት መጽሓፍቲ ሁይስክቫርና ናይዚ ምምሕዳር ካልኣይቲ ዝዓበየት ቤት መጽሓፍቲ እያ።
ቤት መጽሓፍቲ ሁይስክቫርና ኣብቲ ሓድሽ ናይ ምምሕዳር ገዛ Stadshuset ኣብ Madängen ብሩህ ዝኾነ ኣዳራሽት ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ኣለዎ። ኣብዚ ዘይክፈሎ ንጥፈታት ከም ናይ ቋንቋ እንዳ ቡን፤ ናይ ጽውጽዋይ ግዜ፣ ናይ ስራሕ ገዛ (home work) ሓገዝ፣ ናይ ኮምፕዩተር ሓገዝ፣ ምጽሓፍ CV፣ ናይ ህጻናት ናይ መጽሓፍ ክለብ ከምኡ ዉን ናይ ኣዋልድ እንዳ ቡን የሰላስል።
ቤት መጽሓፍቲ ኖራሃማር (Norrahammar)
እዚ ቤት መጽሓፍቲ ኣብ ናይ ኖራሃማር ፍሪትድስጎርድ ይርከብ፣ እዚ ስለ ዝኾነ ኽኣ ካብቲ ናይ ልሙድ ዝኽፈተሉ ስዓታት ሓደ ሓደ ምሸት ዝያዳ ናይ ምኽፋት ስዓታት ኣሎና። ኣብዚ ስዓታት እዚ ዝሓዛእካዮ መጽሓፍቲ ባዕልኻ በቲ ናይ መለቅሒ ኮምፕዩተር ተጠቒምካ ክትወስዶ ትኽእል።
ቤት መጽሓፍቲ ሮስሌት (Råslätt)
ቤት መጽሓፍቲ ሮስሌት ኣብ ማእከል ሮስሌት ኣብ Stadsgården ይርከብ፣ እዚ ንጡፍ ገዛ ናይ ፍሪቲድስ፣ ክፉት መውኣለ ህጻናት፣ መሐምበስን ማእከለይ ደረጃ ትምህርትን የጠቓልል።
ኣብዚ ጋዜጣ ከተንብብ ትኽእል፣ ኮምፒዩተር ክትጥቀም ትኽእል፣ ክትቀድሕ (copy) ስካን ክትገብር፣ መጽሓፍቲ፣ ናይ ድምጺ መጽሓፍትን ፊልምታትን ክትልቃሕ ትኽእል። ንህጻናትን መንእሰያትን ዓበይትን ዝኸዉን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት መጽሓፍቲ ኣሎና። ብቐሊል ቋንቋ ሽወደን ዝተጻሕፈ መጽሓፍቲ ዝሓዘ ሓደ ከብሒ ኣሎና።
ቤት መጽሓፍቲ ዮንሾፒንግ (Jönköping)
እዚ ናይ ከትማ ቤት መጽሓፍቲ ድሕሪ ምሕዳስ ብ 2016 ዓም ተመሪቑ። ነቶም ሓደሽቲ ኣደራሻት ከነዳልዎም ከሎና ካብቲ ናይ በጻሕቲ ድልየት ኢና ተበጊስና እዚ ማለት ዝያዳ ምቹእነትን ከተንብብ ከሎኻ ክኣ ደስ ዘብል ኮፍ መበሊ ናይ ብዙሓት በጻሕቲ ጠለብ እዩ ኔሩ።
ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ናይ ልቢ-ወልድን ናይ ክዉንነትን መጻሓፍትን ከምኡ ዉን ናይ ከባቢ ታሪኽ፣ ስነ-ጽሑፍ ናይ ሰብ ታሪኽ፣ ፊልምታትን መጽሔታትን ብዘይ ክፍሊት ክትጥቀም ትኽእል። ሓስባት ናይ ንጥፈታትን ወይ ናይ ክንገዝኦ ትደሊ መጽሓፍን እንተሎካ እንተ ነገርካና ብሓጎስ ንቕበላካ።
ናብ ቤት መጽሓፍቲ ክትልቃሕን ክትምህዝን ብድሓን ምጻና!
ቤት መጽሓፍቲ ታበሪ (Taberg)
እዛ ቤት መጽሓፍቲ ትንኣስ እምበር ንህጻናትን ንዓበይትን በብዓይነቱ ዘድሊ መጽሓፍትን ጽሑፋትን ነወፊ ኢና።
ቤት መጽሓፍቲ ቴንሁልት (Tenhult)
ኣብዚ መጻሕፍቲ፣ ናይ ድምጺ መጽሕፍቲ፣ ፊልምታት ትረክብ ከምኡ ድማ ኮምፕዩተር ክትልቃሕ ትኽእል፣ ዋይፋይ ብነጻ፣ ክትቀድሕ (copy)፣ ከምኡ ዉን ናይ ጭብጥታት ሰረት (database) ንምሳሌ ንናይ ቤተ ሰብ ምርምር ክትገበር እንተደለኻ ክትጥቀምሉ ትኽእል። ቤት መጽሓፍቲ ኣብ ቴንሁልት ናይ ኩሉ መራኸቢ ቦታ እዩ። ንቖልዑ ብ ቱር ስቫአ (Tor Svae) ዝተማህዘ ሽሕራዊ ቺነማ ኣሎ። ኣብ ቤት መጽሓፍቲ ክፉት ዝኾነሉ ግዜ ኣብቲ ንእሽቶ ቺነማ (mini-bion) ፊልም ነርኢ።
ቤት መጽሓፍቲ ቪሲንግስኦ (Visingsö)
ቤት መጽሓፍቲ ቪሲንግስኦ ናይ ቤት ትምህርቲ ቤት መጽሓፍቲ ዉን ስለ ዝኾነ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብራሄ (Braheskolan) ትረከብ።
ቤት መጽሓፍቲ ቪሲንግስኦ ኣብ ቪሲንግስኦ ንትነብር ወይ ትበጽሕ ዝቐረበት ቤት መጽሓፍቲ እያ። ከም ዝገለጽናዮ ቤት መጽሓፍቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብራሄ (Braheskolan) ጥቓ ቤት ክርስትያን ኩምላብይ (Kumlaby kyrka) ትርከብ።
ቤት መጽሓፍቲ ኦደስቱጉ (Ödestugu)
ቤት መጽሓፍቲ ኦደስቱጉ ኣብ ኦደስቱጉን ከባቢኣን ንእትነብር ዝቐረብት ቤት መጽሓፍቲ እያ። ንእሽተይ ቤት መጽሓፍቲ ኮይና ቅንዲ ኣድላይንት ኣብ ቀረባ ስለ እትርከብ እዩ። ዝስኣንካዮ እንተ’ሎ ንገረና። ክፋል ናይ ዮንሾፒንግ ቤት መጽሓፍቲ ስለ ዝኾና ዓቢ ናይ ርክብ ምትሕብባር ኣሎና እዚ ስለ ዝኾነ ዝደለኻዮ ተለቂሕና ከነምጾ ንኽእል ኢና።
እዚ ናይ ጎዶቦ ቤት መጽሓፍቲ ብናይ ኦድስቱጉ ባይቶ ብዝተፈላልየ መንግዲ ይድገፍ እዩ።
ቤት መጽሓፍቲ ኦስተርኤንገን (Österängen)
ቤት መጽሓፍቲ ኣብ ናይ ኦስተርኤንገን ማእከል (centrum) መእተዊ ናብ ናይ ኣዎቶቡሳት ጠጠው መብሊ ገጹ ዝጥምት ኮይኑ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ይርከብ። እዚ ሓድሽ ቤት መጽሓፍቲ ኦስተርኤንገን ገፊሕን ብርሁን ኣድራሽ ይወፊ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ሰለሰት ኮምፕዩተራትን ሓንቲ ሕብራዊ ሓታሚትን ስካን ትገብርን ኣሎና። ንህጻናትን መንእሰያትን ንዓበይትን ዝሰማማዕ ምቹእ ናይ መንበብን መጻወትን ኩርንዓት ኣሎና። ኮፍ ኢሉ ዉዑይ እንዳሰተየ ጋዜጣ እንዳ ኣንበበ ክዛናጋዕ ዝደሊ ናይ ቡን ማሽን ኣላትና። ናይ መጽናዕቲ ክፍሊ ዉን ኣሎና ከምኡ ዉን ንናይ ኦስተርኤንጋና ናይ ስነ-ጥበብ ኣዳራሽ ምስ ኣደራሽና ዝተሓሓዘ ብምኻኑ ናብኡ ዑደት ክትገብሩ ክእለታት ኣሎ። ብድሓን ምጹና!
ቤት መጽሓፍቲ ኦክስነሃጋ (Öxnehaga)
ናይ ጥቓኻ ዘሎ ቤት መጽሓፍትን ናይ ከባቢኻ መራኸቢ ቦታን። እዚ ቤት መጽሓፍቲ ምስ ብዙሕ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት መጽሓፍቲ ዘለዎ፣ መጽሔታት፣ ፊልምታት ናይ ድምጺ መጽሓፍትን ዝሕዛኣ መርበብ ኢንተርነት ዘለዎን ኮምፕዩተራትን ብነጻ ዋይፋይን ኣለዎ። ኣብ ዓመት ሓደ ሚእቲ ዝኸዉን ንጥፈታት ነዳሉ፣ ንምሳሌ ናይ ቋንቋ እንዳ ቡን ንሓደሽቲ፣ ኣስተምህሮታትን ናይ ስድራ ሰንበትን ናይ ኢድ ስራሓትን ናይ ጽዉጽዋይ ግዜን እዮም።