ሓድሽ ናብ ቤት መጽሓፍቲ (Ny på Biblioteket)
ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ቫይረስ ኮረናን ሕማምኮቪድ-19ን
ናይ መለቅሒ ካርድ ተዉሃብ (Få ett lånekort)
መለቅሒ ካርድ ኣይክፈሎን እዩ። መንነት ወረቐት ወይ ኤል ኤም ኣ ካርድ (LMA kort) ሒዝካ ናብ ቤት መጻሕፍቲ መጺኻ ንዝኾነ ናይ ቤት መጽሓፍቲ ሰራሕተኛ ብምዉካስ ነቲ መለቅሒ ካርድ ክትረክብ ትኽእል።
ኣብቲ ናይ ቤት መጽሓፍቲ መሐበሪ ድለ (Sök i bibliotekskatalogen)
በቲ ኣብቲ ናይ ቤት መጽሓፍቲ ናይ ኢንተርነት መርበብ ዘሎ ናይ መደልይ ትርብዒት ጌርካ ባዕልኻ መጽሓፍቲ፣ ብቐሊሉ ዝንበቡ፣ ኤለትሮኒክ መጽሓፍቲ፣ ናይ ድምጺ መጽሓፍትን ፊልምታትን ክትደሊ ትኽእል። ናይቲ ደራሳይ መጽሓፍ ስም ወይ ናይታ መጽሓፍ ስም ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ ትደልየሉ ኣርእስቲ ትጽሕፍ።
መጽሓፍቲ ተለቃሕን ሕዛእን (Låna och reservera böcker)
ካብ ቤት መጽሕፍቲ ንገለ ሰሙናት ንገዛኻ ሒዝካዮ ትኸይድ መጽሓፍቲ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ነቲ መጽሓፍቲ ክትልቃሕ ናይ መለቅሒ ካርድ የድልየካ። ትደልያ መጽሓፍ ምስ ረኸብካ ኣብቲ ናይ መሐበሪ ማእከል ዘላ ባዕልኻ ትልቃሓላ ናዉቲ (självlånemaskiner) ትምዝግቦ። ናይታ ለቓሕ ትመልሰላ ዕለት ኣስተዉዕለላ ብግዚኣ እንተዘይ መለስካያ ናይ ምደንጓይ ዕዳ ክትከፍል ኢኻ።
እታ ክትልቅሓ ዝደለኻ መጽሓፍ እንድሕሪ ድኣ ካልእ ተልቂሕዋ ኮይኑ ወይ ኣብ ካልእ ቤት መጽሓፍቲ እንድሕሪ ኣላ ኮይና ክትሕዝኣ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ካብቶም ናይ ቤት መጽሓፍቲ ሰራሕተኛ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ ወይ ክኣ ኣብ ናይ ቤት መጽሓፍቲ መርበብ ኢንተርነት ኣቲኻ ነታ መጽሓፍ ኣብቲ ናይ ቤት መጻሕፍቲ መዝገብ ደሊኻ ምስ ረኸብካያ በታ ናይ መለቂሒኻ ካርድ ቁጽሪ ወይ ብመለለይ ቁጽርኻን ከምኡ ዉን ብመእተዊኻ ማለት pinkod ጌርካ ትኣቱ (ሎጋ ኢን)።
ብቐሊሉ ዝንበብ መጽሓፍቲ (ፍኹስ ዝበለ) (Lättlästa böcker)
ኣብ ኩሉ ቤት መጽሓፍቲ ብቐሊል ሽወደን ክንበበ ዝክኣል መጽሓፍቲ፣ መዝገበ ቃላት፣ ናይ ሽወደን ሰዋሱው ብዝተፈላልየ ቋንቋታት ከምኡ ዉን ሓጺር ናይ ቋንቋ ትምህርትታት ማለት ኮርሳት ኣሎ። ንህጻናትን፣ መንእሰያትን ዓበይትን ብቐሊሉ ዝንበብ መጻሕፍቲ ኣሎ።
ፕረስሪደር (ዝተፈላለይ ጽሑፋት) - ኤለትሮኒክ ጋዜጣታት - ኤለትሮኒክ መጽሔታት (PressReader - E-tidningar och E-tidskrifter)
ኣብ ናይ ፕረስሪደር ኣገልግሎት ካብ ናይ 100 ሃገራት ንላዕሊ ልዕሊ 5000 ጋዜጣታት ብ ካብ 60 ዝበዝሕ ቋንቋታት ኣሎ።
ብቋንቋ ሽወደን ካብ 50 ንላዕሊ ጋዜጣትታ ኣሎ (ንምሳሌ ስቬንስካ ዳግብላደት Svenska dagbladet, ዮቶቦሪስ-ፖስተን Göteborgs-posten, ሃላንድስፖስተን Hallandsposten, ኣፍቶንብላደት Aftonbladet) ካብ 150 ንላዕሊ መጽሔታት (ንምሳሌ ፕላዛ Plaza, ናይ ብሽክለታ Bike, ከልብኻ Din hund, ብዛዕባ መገሻ Allt om resor, ሞደርን ሲኮሎጊ Modern psykologi).
ነዞም ጋዜጣታትን መጽሔታትን ብዘይ ክፋል ንኸተንብብ ኣብ ምስቲ ምስ ፕረስሪደር (PressReader) ዝተሓሓዘ ናይ ቤት መጽሓፍቲ መርበብ ኢንተርነት ዋይፋይ ክትኣቱ ኣሎካ። ምጻና ክንሕግዘካ ኢና።
ፕረስሪደር (Pressreader) ኣብ ሞቢልተሌፎን ወይ ታብለት (PressReader - på mobil eller surfplatta)
ነዚ ፕረስሪደር እንድሕሪ ኣብ ሞቢለተሌፎን ወይ ኣብ ታብለት ክትጥቀመሉ እንተ ደለኻ መጀመርያ ኣቐዲምካ ኣፕ (app) ከተዉርድ ኣሎካ። እቲ ኣፕ (app) ብነጻ ኮይኑ "PressReader" ይብሃል። ኣብ App Store, Windows apps ወይ ኣብ GooglePlay ትረኽቦ።
ድሕሪ ኣብቲ ናይ ቤት መጽሓፍቲ ዋይፋይ ምእታዉካ ኣብ ዘሎኻ ኣሊኻ ን72 ስዓታት ከተንብብን ከተዉርድን ትኽእል። እቶም ዘዉረድካዮም ጋዜጣታት/መጽሔታት ብዘይ ዋይፋይ (off-line) ከተንብቦም ይክኣል።
ፕረስሪደር (Pressreader) ኣብ ናይ ቤት መጽሓፍቲ ኮምፕዩተራት (PressReader - på bibliotekens datorer)
እንተ ደልኻ ብናይ ቤት መጽሕፍቲ ኮምፕይተራት ጌርካ ዉን PressReader ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ www.pressreader.com ካልእ ዝኾነ ምውራድ ኣይድልየካን እዩ።
ንጥፈታት ኣብ ቤት መጽሓፍቲ (Aktiviteter på biblioteken)
ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ Aktiviteter (ንጥፈታት) ኣብ ናይ ምምሕዳር ዮንሾፒንግ ቤት መጽሓፍቲ እንታይ ክትግበር ከም ትኽእል ትረክብ።