ሓፈሻዊ ብዛዕባ ቤት መጽሓፍቲ (Allmänt om biblioteken)
ኣብ ቤት መጽሓፍቲ፡ መጽሓፍቲ፣ ከምኡ ዉን ብቐሊል ክንበቡ ዝኽእሉ መጽሓፍቲ ክትልቃሕ፣ ፊልምታት፣ ናይ ቲቪ ጌይም (game) ናይ ኤለትሮኒክ መጽሕፍቲ (e-böcker) ብዙሕ ካልእን ክትረክብ ትኽእል። ናይ መለቅሒ ካርድ ጥራይ እዩ ዘድልየካ። ኣብዛ ገጽ ኣብ ቤት መጽሓፍቲ እንታይ ክትገበር ከም ትኽእል ሓበሬታ ትረክብ። ናብ ሽወደን ሓድሽ ንዝኾንካ ሓጋዚ ሰንሰለት ኣብ መርበብ ኢንተርነት ማለት link ዉን ትረክብ። ኣብ ቤት መጽሓፍቲ ብዙሕ ዝተፈለለዩ ናይ ብነጻ ንጥፈታት ዉን ክትካፈል ትኽእል።
ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ቫይረስ ኮረናን ሕማምኮቪድ-19ን
ናይ ዮንሾፒንግ ቤት መጽሓፍቲ ንኹሉ እዩ! (Jönköpings bibliotek är till för alla!)
እቲ ቤት መጽሓፍቲ ብዘይካ እቲ ብሽወደንን ብዝተፈላለየ ቋንቋታትን ሰፊሕ ናይ ሚድያ ዉፈያ ዝወፍዮ፣ ብዘይ ክፍሊት ከም ምልቃሕ ኮምፒዩቶራትን ታብለትን ምስ ኢንተርነትን፣ ናይ ስካን ምግባር ክእለታትን፣ ምሕታምን ምቕዳሕን (copy) ኣገልግሎት ዉን ይህብ።
ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካ ኣብቲ ”Ny i Sverige” ማለት ሓድሽ ኣብ ሽወደን ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ከብሒ ብቐሊል ቋንቋ ሽወደን ዝተጻሕፈ መጽሓፍቲ ትረክብ።
ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ኣብ ቤት መጽሓፍቲ ንጥፈታት ብዘይ ክፍሊት ከም ንምሳሌ ሓገዝ ናይ ትምህርቲ ዕዮ ገዛ (home work) ናይ ጽዉጽዋይ ግዜ፣ ናይ ቋንቋ እንዳ ሻሂ፣ ናይ ኮምፕዩተር ትምህርትን ከምኡ ዉን ናይ ሕብረተሰብ ሓበሬታን ምስ ካልኦት ሓደሽቲ ኣዕሩኽ ሻሂ እንዳ ሰተኻ ቋንቋ ሽወደን ክትላማመድ ንውፍይ። ብጠቕላላ ኣብ ዮንሾፒንግ 14 ቤት መጽሓፍትታት ኣለዋ።
ንኹሉ ክንቅበለን ቅሳነት ከነስፍንን ግሉጻትን ክንከዉንን ኢና ንጽዕር።
ኣብዚ ተለቃሕ ኣብቲ ምለሶ (Låna här lämna där)
ካብ ሓንቲ ኣብ ዮንሾፒንግ ዘለዋ ቤተ መጽሓፍቲ ተለቂሕካ ኣብ ካልእ ቤት መጽሓፍቲ ክትመልሶ ትኽእል። መጽሓፍቲ ኣብ ካልእ ቤት መጽሓፍቲ ሓዚእካ ናብቲ ኣብ ቀረብኻ ዘሎ ቤት መጽሓፍቲ ኬድካ ከተምጽኦ ክእለታት ኣሎ።
ብድሓን ምጻና!